ብምክትል ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ እስራኤል ሞሼ ሰለሞን ዝምራሕ ልኡኽ ናብ መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ እስራኤል ሞሼ ሰለሞን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ክልል ትግራይ ዑደት ንምግባር መቐለ ኣትዩ።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ነቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበዝፅሑ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኣብቲ ኣቀባብላ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል እውን ተረኺቦም።

እቲ ልኡኽ፥ ኣብ ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂን ካልኦትን ሓገዝ ንምግባር ዝዓለመ ዑደት ከምዘሳልጥ ተገልፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዉ ቤት እስራኤላውያን ዝህሉ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዑደት ኢዩ ተባሂሉ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ለኡኽ ኣብ መቐለ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ቢሮ ሕርሻ ግዚያዊ ምምሕዳርን ቢሮ መዓድንን ከካይዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment