ብሸርፊ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ብምትካእ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሸርፊ ወፃኢ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ፍርያታት ብሃገር በቆል ፍርያታት ብምትካእ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣፈፃፅማ ትልሚ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 ብዝምልከት ምስ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሰራሐተኛታትን እቲ ሚኒስቴር ይዛተ ኣሎ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ማሕለኻታት ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ንምፍታሕ ልዑል ፃዕሪ ብምግባሩ ዝበረታታዕ ለውጢ ከምዝመፅአ ተገሊፁ።

ኣታዊ ፍርያት ኣብ ምትካእ ቅድሚ ሕዚ ናብ ውሽጢ ሃገር ብሸርፊ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብሃገር በቆል ፍርያታት ብምትካእ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ካብ ብኽነት ምድሓን ከምዝተኻእለ ተሓቢሩ።

ነዚ ድማ መንግስቲ ንዓውዲ ኢንዱስትሪ ልዑል ትኹረት ከምዝተውሃበን ሓዱሽ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ተሓንፂፁ ናብ ትግበራ ምእታዉ ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ ሓሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment