ዓውዲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉ ዘተታት ተሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወዳዳሪነት ዓውዲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ክብ ዘብሉን ኣብቲ ዓውዲ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእሉን ክልቲኣዊ ዘተታት ኣብ ዶሚኒካ ሪፐብሊክ ከተማ ፑንታካና ተሳሊጦም።

ኣብ ዶሜኒካ ሪፐብሊክ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ ሲምፖዚየም ትካል  ኣቬዬሽን (ኣይ ሲኤኦ) ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን ዘቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ጎኒ ንጎኒ እቲ መድረኽ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ እቲ ትካልን ዋና ፀሓፊን ሓዊሱ ሚኒስትራት እቲ ዓውዲ ከምኡውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተላዚቦም።

ተወዳዳሪነት ዓውዲ ኣቬዬሽን ኢትዮጵያ ክብ ንምባል ዓሊሙ፥ ኣብ ስልጠና ሓይሊ ሰብ፣ ዲጂታላይዜሽን፣ ቁፅፅር ናቪጌሽን ነፈርቲ ኣብ ምዝማን፣ ፍሪያት ኣካላት ነፈርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምስፋሕ ከምኡወን ዝምድናታት ኣገልግሎት ነፈርቲ ኣፍሪካ ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment