ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝፀንሑ 4 ኢትዮጵያውያን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኖም ተረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቫይረስ ኮሮና ተጠርጢሮም ኣብ ክትትል ሕክምና ዝፀንሑ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ሕማም ናፃ ምዃኖም ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ቻይና ናብ ኢትዮጵያ ምስ መፅኡ እቲ ሓደ ምልክት ሰዓል ስለ ዝተርኣየሉ፤ ኣብ ክትትል ሕክምና ከምዝፀንሑን ንልዑል ምርመራ ድማ ደሞም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ከምዝተልኣኸን ይዝከር።

ብዝተገበረ ምርመራ መሰረት ድማ ኣርባዕቲኦም ኢትዮጵያውያን ካብ ቫይረስ ኮሮና ናፃ ምዃኖም ከምዝተረጋገፀ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment