ብኽለት ከባቢ ብሸለልታ ምሕላፍ ንወለዶ ከቢድ ዕዳ ምግዳፍ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኽለት ከባቢ ብሸለልታ ምሕላፍ ንወለዶ ከቢድ ዕዳ ምግዳፍ ከምዝኾነ ዋና መካየዲ ስራሕ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ዲዳ ድሪባ ገሊፆም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ንመጠን ብኽለት ከባቢ ብምነፅር ዘቐመጦ ልክዒት÷ ኣዲስ ኣበባ ልዑል ብልጫ ዘለዎ ብምዃኑ ብኽለት ከባቢ እታ ከተማ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑ ዘመላኽት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዚ ተሓሳሰቢ ብኽለት ከባቢ ብምክልኻል ንፁህቲን ፅርይቲን ሃገር ንትውልዲ ንምርካብ “ብኽለት የኣክል ፅባቐ ይንቃሕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጎስጓስ ተጀሚሩ።

ኣዲስ ኣበባ ከም ስማ ውቅብቲ፣ ንፅህቲ፣ ማራኺትን ካብ ብኽለት ከባቢ ዝነፅሀት ዝለምዐት ምግባር ኣብ ቀፃሊ 6 ኣዋርሕ ዝትግበር ብክለት ከባቢ ኣብ ምክልኻ ዘድሀበ ከተማ ሓቆፍ ጎስጓስ 11 ሚያዚያ ተጀሚሩ ናብ ስራሕ ተኣቲዩ፡፡

በቲ መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ዝተትሓዙ ትልሚታ ሓደ ብፕላስቲክ ዝፍጠር ብኽለት ግንዛበ ምፍጣር እንትኸውን፤ ፍሉጣትን ፅዕንቶ ፈጠርቲን ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፣ ሰብ ሞያ ኮሙንኬሽንን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ልዝብ እናተኻደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይ ዲዳ ድሪባ÷ ብኽለት ከባቢ ንዓለም ዘተሓሳስብ ነገር ኢዩ ኢሎም።

ብሃይማኖት ኢያሱን ቃለኣብ ግርማን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment