ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ዝግመቱ ፍሪያታት ወፃኢ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ፍሪያታት ከምዝተተክኡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብቲ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ዝግመቱ ፍሪያታት ወፃኢ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ፍሪያታት ከምዝተተክኡ ተገሊፁ።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ  ዝተሳተፍሉ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕን ትልሚ ቀፃሊ ዓመትን መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ካብ ሓረስቶት ጀሚሩ ክሳብ ኣፍረይቲ ግንዛበ ኣብ ምጉልባትን ብሙሉእ ዓቕሞም ንከፍሪዩ ኣብ ምግባርን ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ቀጥታ ኢንቨሰትመንት ወፃኢ ኣብ ምስሓብ ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ገሊፆም።

ዓቕሚ መፍራይ ኢንዱስትሪታት 55 ሚኢታዊት ምብፃሕ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment