ተቋሪፁ ዝፀንሐ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዝነበራ ዓለም ለኸ ፀወታታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፅባሕ ከምዝጅመር ተገሊፁ።

እቲ ፕሪሚየር ሊጉ ካብ 6ይ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ምክያድ እንትቕፅል÷ ቀጥታ ፈነወ ሱፐር ስፖርት ከምዝረክብ ተሓቢሩ።

ኣብ ቀፃሊ ዝግበሩ 172 ፀወታታት ቀጥታ ሽፋን ንመሃብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ዝገለፀ ማሕበር ኣክሲዮን እቲ ሊግ÷ ካብ ስምምዕነት ወፃእ ዝግበሩ ፀወታታት ብሰብ ስራሕ ምስትውዓል ሽፋን ንመሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ንምግባር እናተዘራረበ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ፅባሕ ኣብ ዝግበር ፀወታ ሰዓት 9 ጋንታታት ድሬዳዋ ከተማ ምስ ወላይታ ድቻ ከምኡ እውን ሃምበሪቾ ዱራሜ ምስ ፋሲል ከነማ ክራኸባ ኢየን፡፡

እቲ ሊግ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብ13 ነጥቢ እንትትትመርሖ÷ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ብ11 መቻል ድማ ብ10 ነጥቢ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን ይርከባ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment