ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ብደቂ ተባዕቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ጀማል ይመር 59 ደቒቓን 3 ሰከንድን ብምእታው ቀዳማይ ወፂኡ።

ኣትሌት ተስፋሁን ኣካልነው ድማ መበል ራብዓይ ከምዝወፅአ ተገሊፁ።

ብደቂ ኣንስቲዮ ዘርፍ የኋላው 1 ሰዓትን 4 ደቒቓን ብምእታው እንትትዕወት፥ ፀሀይ ገመቹ 1 ሰዓትን 5 ደቒቓን ብምእታው ካልአይቲ ወፂኣ።

ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብደቂ ኣንስቲዮ በቀለች ጉደታ 1 ሰዓትን 8 ደቒቓን ብምእታው እንትትዕወት ብደቂ ተባዕዮ ድማ ኪሮስ ኣሸናፊ 1 ሰዓትን 5 ደቒቓን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment