ትካል ቄራታት ንበዓል ሓዱሽ ዓመት ጥዕንኡ ዝተረጋገፀ ግልጋሎት ማሕረዲ ንመሃብ ምድላው ከምዝዛመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንበዓል ሓዱሽ ዓመት ጥዕንኡ ዝተረጋገፀ ግልጋሎት ማሕረዲ ንመሃብ ምድላው ከምዝዛመ ትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ትካል ኣታክልቲ ገ/ሚካኤል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ንበዓል ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 5 ሺሕ ማሕረዲ እንስሳት ንምቕራብ ምድላው ተገይሩ፡፡

ቅልጡፍን ፅሬቱ ዘሓለወን ግልጋሎት ንመሃብ ምስ ሰራሕተኛታት ምይይጥ ከምዝተገበረ ብምሕባር÷ ማእኸላት መሕረዲ እውን ኣድላዪ ሕድሳትን ፅገናን ከምዝተበረሎም ገሊፆም፡፡

ግልጋሎት ምክፍፋል ንምቅልጣፍ ድማ እኹላት ተሸከርከርቲ ድሉዋት ከምዝኾና እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

ጥዕንኡ ዝተረጋገፀ ግልጋሎት ማሕረዲ ንምሃብ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ኣብ ዝሕረዱ እንስሳት ኣድላዪ ምርመራ ጥዕና ከምዝገብሩ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment