ናይ ለውጢ መንግስቲ ሱር ዝሰደዱ ፀገማት ንምምሓውን ዘላቒ ሰላም ንምፍጣርን ክሰርሕ ፀኒሑ ኢዩ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ለውጢ መንግስቲ ሱር ዝሰደዱ ፀገማት ንምምሓውን ዘላቒ ሰላም ንምፍጣርን ክሰርሕ ፀኒሑ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ ዝነበረ ጉዕዞ ለውጢ ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ መግለፂ፥ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንኹሉ ዘሳትፍ፣ ዘረዳድእ፣ ዘዛምደ፣ መንፈስ ምትሕብባር ዝፈጥር፣ ብዙህነትን ሓድነትን ዘሳለጥ ኣብ ብሄራዊ ያታ ዝተደረኸ ሃገረ መንግስቲ ይሃንፅ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝነበሩ ቅርሕንቲታትን ስብራትን ዝፅግን ናይ ሽግግር ፍትሒ ንምትግባር ዘኽእል ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ እወን ሓቢሮም።

ኣፈላላይን ዘየረዳድኡ ጉዳያትን ብዘተን ሂብካ ምቕባልን፣ ብድርድር ንምፍታሕ ብሄራዊ ኮሚሽን ዘተ ብምጥያሽ ኣድላዪ ኩሉ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ተሳትፎን ሓቛፍነትን ፖለቲካ ንምጉልባት ብዙሓት ስጉምቲታት ከምዝተወሰደ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ቦርድ ምርጫን ዝኣመሰሉ ናፃን ገለልተኛን ትካላት ንክህነፁ መሰረት ከምዘንበረ ኣብሪሆም።

ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ዕጥቂ ዝሓዙ ሓይሊታት ሕቶኦም ሰለማዊን ሕጋዊን ብዝኾነ መገዲ ንከቕርቡ ኣፍደገ ሰላም ንኹሉ ተኸፊቱ ኣሎ ኢሎም።

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment