ንመርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ስራሕቲ ምድላው ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ስራሕቲ ምድላው ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስትር ሕርሻ ገሊፁ።

ኣብ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣካቢ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብብርኪ ሃገር 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ንምድላው ርብርብ እናተገበረ ይርከብ።

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ከይዲ ድማ ኣብ 102 ሺሕ ናይ መንግስቲ፣ ውልቀን ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን መፈልፈሊ ጣቢያታት ፈልሲ እናተሰናደአ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብሓፈሻ ምድላው ፈልሲታትን ምፍላይ መትከሊ ቦታን ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment