ኢትዮጵያን ውሕመን ተፈናቐልቲ ኣብ ምድጋፍ ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ)ን ተፈናቐልቲ ውሽጢ ሃገር ኣብ ምድጋፍ ምትሕብባረን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፤ ፍሉይ ኣማኻሪ መፍትሒታት ምምዝባል ውሽጢ ሃገር ዋና ፀሓፊ ውሕመ ምስ ዝኾኑ ሮበርት ፓይፐርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ናብ መረበቶም ንምምላስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናወሰዶም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ሮበርት ፓይፐር ብግደኦም÷ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ከለላ ንመሃብን ንምሕጋዝን ዘኽእሎ ኣዋጅ ንምዝዛም ዝገብሮ ስጉምቲ ንኢዶም።

መንግስቲ ብዙሓት ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ናብ ዝመፅኡዎ ከባቢ ምምላስ ምኽኣሉ ብምንኣድ፤ እዚ ድማ ኩነታት ፀፅታ ምምሕያሽን ካልኦት ምቹዋት ኩነታትን ምህላዎም ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዘተኦም ኣብ ሞንጎ ሰሰብኣዊ ሓገዝ ዝህቡን ናይ ሰላም ተዋሳእቲን ምትሕብባርን ምውዳድን ከምዘድሊ ምሕባሩ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣመልኪቱ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment