ኢትዮጵያ ሰራዊት እተዳሉ ብቐንዱ ንህዝባ ንምሕለው ኢዩ – ጀኔራል ኣበባው ታደሰ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሰራዊት እተዳሉ ብቐንዱ ንህዝባ ንምሕለው ኢዩ ክብሉ ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልካል ሃገር ጀኔራል ኣበባው ታደሰ ገሊፆም።

ጀኔራል ኣበባው መበል 116 ምኽባር መዓልቲ ሰራዊት ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም፥ ቅድመ ሐዚ ኣብ ዝነበረ ስርዓት ሰራዊት ከም ብሓዱሽ ዝተወደበሉ ብዝብል ምኽኒያት መዓልቲ ሰራዊት ይኽበር ነይሩ ኢሎም።

ሐዚ ብመሰረት ዝተገበረ ሪፎርም ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሚኒስትር ሰራዊት ኣብ ዝሰየመትሉ ዕለት ብምዃን እቲ ዕለት ንምኽባር ምኽኣላ ኣረዲኦም።

ብመሰረት እዚ ሰራዊትና ካብቲ እዋን ጀሚሩ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈተነትሉ ኩነታት ኩሉ ብፈተና እናተሻገረ ዝመፅአ ሓይሊ ስለዝኾነ መዓልቲ ሰራዊት በዚ ክኽበር ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ግዙፍ ሰራዊት ዝነበራ ፀላእታ ኣብ ዝተልዓልሉ እዋን ኩሉ ምስ ህዝቢ ብምዃን ልኡኹ፣ ሃገሩን ህዝቡን ብምሕላው ዝመፅአን ብዙሕ እዋን ዘቑፀረን ሰራዊት ዘለዋ ሃገር ኢያ ኢሎም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ በዓል ንዘባናት ሃገሮም ካብ ፀላኢ ንምቅላስ መስዋእቲ ዝኾኑ ጀጋኑ እነኽብረሉን ቃሎም ብምሕላው ንቐፃሊ ትውልዲ ንምሽጋር ቃለ ማሕላ እንፍፅመሉን ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝነበሩ ጥንካረታትን ድኽመታትን ብምርኣይ ንቐፃሊ ግዳጅ ድልዋት እንኾነሉ፣ ከም ትካል ዝተውሃበና ሃገርን ህዝብን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣጠናኺርና እንቕፅለሉ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ልዕሊ ሃገርና ብዝኾነ ይኹን መገዲ ፅሕተራ ዝገብሩ ሓይሊታት እንተሃሊዮም ኣይከኣልን እንብለሉ በዓል ኢዩ አውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment