ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ዝጠልቡ ጉዳያት ምፍላይ ብእዋኑ ንኽዛዘም ርብርብ ክግበር ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ዝጠልቡ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ብምፍላይ ኣብ ዝተደለየ እዋን ንኽዛዘም መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዝተገበረ ፀብፃብ ናይ ባይታ ትዕዝብቲ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ኣቢሉ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ።

እቲ ፀብፃብ÷ ኣፈ ጉባኤ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባይቶ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ሚዲያን ኮሚሽነራት እቲ ኮሚሽን ምኽክርን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ቀሪቡ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ዝጠልቡ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ብምፍላይ ኣብ ዝተደለየ እዋን ንኽዛዘም መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ ክገብሩ ይግባእ፡፡

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብ ክልላት ሲዳማ፣ ሃረሪ፣ ቤንሻጉል ጉሙዝ ከምኡ እውን ኣብ ዋና ቤት ዕዮ እቲ ኮሚሽን ብምርካብ ተግባርን ከይዲን እቲ ኮሚሽን ምኽክር ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝርከብ ትዕዝብቲ ከምዝገበሩ ኣብቲ ፀብፃብ ተገሊፁ፡፡

ዝቐረበ ፀብፃብ መበገሲ  ብምግባር ድማ ልዝብ እናተገበረ ምዃኑ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment