ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ንምዝካር ተፃወትቲ ፀሊም ባጅ ከምዝገብሩ ፕሪሚየር ሊግ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬትን ውሕጅን ህይወቶም ዝሓለፈ ሰባት ንምዝካር ኩሎም ተፃወትቲ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፀሊም ባጅ ክገብሩ ከምዝወሰነ እቲ ሊግ ገሊፁ።

ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ÷ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ብዘጋጠሙ ዘሕዝኑ ሓደጋታት ተፈጥሮ ኣዚዩ ከምዝሓዘነ ኣፍሊጡ፡፡

ቅድሚ ፀወታ ምጅማሩ እቲ መሕዘኒ ኣጋጣሚ ክዝከር ኢ ዝበለ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ÷ ካብ ፀሊም ባጅ ብተወሳኺ ጋንታታትን ኣብ ሞሮኮን ሊቢያን ንዘጋጠመ ሓደጋ ናይ ሕሊና ፀሎት ከምዝግብሩ ገሊፁ፡፡

ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዝካየዱ ፀወታታት ካብ ተፃወትቲ ብተወሳኺ ኣመራርሓ ጋንታታን ዳያኑን ፀሊም ባጅ ገይሮም ናብ ሜዳ ክኣትዉ ኢም ተባሂሉ፡፡

ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ካብ መልሲ ኢንተርናሽናል ፀወታታት ፅባሕ ሰዓት 8 ዎልቭስ ምስ ሊቨርፑል ብዝገብረኦ ፀወታ ክጅመር ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment