ኣብ ኣዲ ኣበባ መድረኽ ምድላው ትራንስፎርሜሽናል ትልሚ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፉሉ ኣብ ምድላው ትራንስፎርሜሽናል ትልሚ ዝጠመተ መድረኽ ምክያድ ጀሚሩ።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦም መልእኽቲ÷ ኣብቲ መድረኽ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ዓለም ለኸ ተመራፂት ከተማ ንምግባር ኣብ ዘኽእሉ ዝተመረፁ ሽዱሽተ ዛዕባታት ስልጠና ከምዝወሃብ ሓቢረን።

በዚ ድማ ምድላው ትልሚ ትራንስፎርሜሽን ዝውገን እንትኸውን÷ ኣብቲ ስልጠና ዓለም ለኸ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ንኣመራርሓ ስልጠና ከምዝህቡ ገሊፀን።

“ሃገርና ንምምዕባል ብኩሉ መዳይ ብዘይዕረፍቲ ምስራሕና ተጠናኺ ቀፂሉ ኣሎ” ክብላ ኣብ መልእኽተን ኣመልኪተን።

Comments (0)
Add Comment