ኣብ እዋን በዓላት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከይፍጠር ሕብረተሰብ ኣብ ኣጠቓቕማ ኤሌክትሪክ ጥንቃቐ ንኽገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን በዓላት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከይፍጠር ሕብረተሰብ ኣብ ኣጠቓቕማ ኤሌክትሪክ ጥንቃቐ ንኽገብር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣት ሓደጋን ኣዲስ ኣበባ ፀዊዑ።

መራሒ ጉጅለን ርክብ ህዝቢን እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጉልላት ጌታነህ፥ ሕብረተሰብ በዓል እንተኽብር ባርዕ ሓዊን ሃብደበታዊ ሓገደጋን ካብ ዘቃልዑ ነገራት ንኽጥንቀቕ ኣተሓሳሲቦም።

ብፍላይ ኣብ እዋን ምብሳል ምግቢ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፅዕንቶ ክፈጥር ስለዝኽእል ኣጠቓቕማ ሶኬት ጥንቃቐ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም።

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕን ስግኣት ሓደጋን ኣዲስ ኣበባ፥ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝኽበረሉ እዋን ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከየጋጥሙ ኣድለይቲ ቅድመ ምድላዋት ምግባሩ እውን ተዛሪቦም።

1 ሺሕን 112 ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋ፣ 27 ከበድቲ ተሸከርከርቲ፣ 19 ኣምቡላንሳትን ካልኦት ሓደጋ ንምክልኻል ኣብ ረብሓ ዝውዕላ ተሸከርከርቲን ድሉዋት ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሓደጋ እንተጋጥም ድማ ብናፃ መስመር ቁፅሪ ስልኪ 939፣ ብቐጥታ መስመራት ስልኪ 011 155 53 00 ወይ እውን 011 156 86 01 ደዊልካ ምፍላጥ ከምዝከኣል ኣይተ ጉልላት ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment