ኣብ ኦማን ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መዕቖቢ ጣቢያታ ኦማን ዝርከቡ ኢትዮጵያውን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ኣብ ኦማን ዝርከቡ 1 ሺሕን 590 ኢትዮጵያውያን ሎሚ መዓልቲን ሓሙስን ብዝግበሩ ሽዱሽተ በረራታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ከምዝተሃቀነ ተገሊፁ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ካብ ኦማን ዝተመለሱ 230 ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑን ዓሰርተ ሸሞንተ ዕድሚኦም ትሕቲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዝኾኑ ሰገናትን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን መፅንሒ ማእኸላትን ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድረኦም ንምፅምባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment