ኣብ ከተማ ነቀምቴ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ነቀምቴ ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተረኸቡ ዓወታት ዝገልፁ መልእኽቲታት እናተመሓላለፉ ይርከቡ፡፡

በዚ ድማ እቲ ለውጢ ንኽፀንዕ ዝኾነ ይኹን መስዋእትነት ክንከፍል ኢና!፣ ወለጋ ናይ ሰላምን ብልፅግናን ምድሪ!፣ ዓወትና ክንሕሉ ኢና ንቐፃሊ ዓወት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና! ከምኡ እውን መራሒና ናይ ብልፅግና ሕልምኻ ጋህዲ ክንገብሮ ኢና! ዝብሉ መልእኽቲታት ተመሓላለፎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰላምና ብምሕላው ዓወትና ክንፅነዖ ኢና!፣ ብመገዲ ሰላምን ይቅርታን ኩሉ ሰዓራይ ኢዩ!፣ ብሰላምን ብልምዓትን ተምሳሌት ብምዃን ክነኹረዐካ ኢና!፣ ካብ ጉዕዞ ምዕባለና ዝዓግተና ፈተና ኣይህሉን!፣ ሕቡእ ዕላማ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ንህዝቢ ኦሮሞ ናብ ባርነት ምምላስ ኢዩ! ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ይርከቡዎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment