ኣብ ኬኒያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ሓፅቢ ኪጃቤ  ዘስዓቦ ውዑጅ ልዕሊ 45 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬኒያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ሓፅቢ ኪጃቤ  ዘስዓቦ ውዑጅ ልዕሊ 45 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፥ እቲ ሓደጋ ኣብቲ ከባቢ ዝወቕዐ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ መንበሪ ኣባይቲን መሰረተ ልምዓትን ምዕልቕላቕ ውሕጅ ከምዘጋጠመ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ሐዚ እውን ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፥ ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment