ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ዘፈልፍሉ ቁፅሪ ተርባይናት 7 ንምብፃሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሓይሊ ዘፈልፍሉ ቁፅሪ ተርባይናት 7 ንምብፃሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒተ፥ ኣብ 2014 ዓ.ም ሓይሊ ምፍልፋል ካብ ዝጀመሩ ክልተ ተርባይናት ብተወሳኺ ኣብ 2016 ዓ.ም 5 ተርባይናት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ኢዮም ኢሎም።

እቶም 5 ተርባይናት ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለዋ 4 ሺሕን 818 ሜጋ ዋት ቀረብ ሓይሊ ክብ ከብሎ ኢዩ ኢሎም።

ህንፀት እቲ ግድብ እንትዛዘም ብ13 ተርባይናት 5 ሺሕን 150 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ብሄራዊ መኹባዕቲ ሓይሊ ከምዝፅንበር ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment