ኣብ ዝቕፅሉ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ 7 ነጥብ 7 ሚሊየን ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣቲ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ 7 ነጥብ 7 ሚሊየን ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣቱ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር) ከምዝበልኦ ፥ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዓ.ም 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል ዕድጊት ዘመናዊ ድኹዒ ተፈፂሙ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ 5 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ጂቡቲ ምብፃሑ ተዛሪበን።

ካብዚ እቲ 4 ነጥቢ 5 ኩንታል ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ናብ ዝተፈላላያ ክልላት ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ምስላጡ ገሊፀን።

ክሳብ ወርሒ ሰነ እቲ ዝተረፈ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ኣብ ኣገልግሎት ንኽውዕል ተተሊሙ ይስራሕ ምህላዉ ሓቢረን።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment