ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ኣባላት ልኡኽ ባይቶ እስራኤል ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብኣባል ክነሰት ሞሸ ሶሎሞን ምስ ዝምራሕ ልኡኽ ባይቶ እስራኤል ኮሚቴ ምሕዝነት ኢትዮጵያን እስራኤልን ዘቲዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኩለመዳያዊን ክልቲኣዊን ምሕዝነት ኣብ ዘጠናኽር ስራሕቲ ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዑደት ምስ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ ሕርሻ፣ ቴክኖሎጂ፣ ህፁፅ ሓገዝን ካልኦት ጉዳያትን ንምድህሳስ ዝዓለመ ምይይጣትን ዑደትን ከካይድ’ዩ ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment