ከተማታት ተመረፅቲ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ንክኾና ፕሮጀክት ኮሪደር ልምዓት ሓጋዚ ኢዩ- ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማታት ተመረፅቲ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ንክኾና ፕሮጀክት ኮሪደር ልምዓት ሓጋዚ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ  ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እዚ ቀጣና ብመሰረተ ልምዓት ንምትእስሳር ፕሮጀክት ኮሪደር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተግባራዊ ይግበር ኣሎ ኢሎም።

እቲ ፕሮጀክት፥ ከተማታት ብቴክኖሎጂ ዝዘመና ንክኾናን ተመረፅቲ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ንክኾናን ተሓሳቢ ብምግባር ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ብባቡር፣ ማይ፣ ኤሌክትሪን መሰረተ ልምዓታትን፣ ብዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ንምውሃድ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ኮሪደር ልምዓት ኣብታ ከተማ ቅድም ክብል ዝለምዑ ከባቢታት ምስ ዘይለምዑ ብመሰረተ ልምዓት ብምትእስሳር ፅርይቲ ከተማ ንምህናፅ ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።

ብሚኪያስ ኣየለን ኣመለወርቅ ደምሰውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment