ከተማና ተምሳሌት ምዕባለ ኣፍሪካ ንምግባር ስራሕና ክንቅፅል ኢና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተሓጋጊዝና ዝይድፋእ ዝመስል ማሕለኻ እናተሳገርና ከተማና ተምሳሌት ምዕባለ ኣፍሪካ ንምግባር ብዝለዓለ ትግሃት ምግልጋልና ክንቅፅል ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ በባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦም ፅሑፍ÷ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምስ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት፣ ኮንትራክተራት፣ ኣማኸርቲን ከምኡ እውን ኣመራርሓ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብምርኻብ ከምዘበረታተዐኦም ገሊፀን፡፡

ንተሽከርከርቲ፣ ንእግረኛ ከምኡ እውን ንነበርቲ ምችውቲን ውቅብቲን ኣዲስ ኣበባ ንምህናፅ ብፕላን መሰረት ዲዛይን ካብ ምስንዳእ ክሳብ ህንፀት ዘሎ ስራሕ ብስምዒት ሓላፍነት እናመርሑ ንዝርከቡ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment