ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ክቕፅሉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ክቕፅሉ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ፅባሕ ቀዳም 28 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኢትዮጵያ ቡና ምስ ስሑል ሽረ ከምኡ’ውን ፋሲል ከነማ ምስ ኣዳማ ከተማ ክራኸባ ኢየን።

ሰንበት ድማ መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንወልቂጤ ከተማ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ከተተኣናግድ ኢያ።

ሓደጋ ኣንፀላሊዩዋ ዘሎ ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ንሰበታ ከነማ እተተኣናግድ እንትትከውን፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ሳልሰይቲ ኮይና ውድድራ ዝዛዘመት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ድማ ካብ መይዳኣ ወፃእ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ክትራኸብ ኢያ።

ብተወሳኺ ባህርዳር ከተማ ምስ ጅማ ኣባ ጅፋር፣ ድሬዳዋ ከተማ ምስ ሃዋሳ ከተማ ከምኡ እውን ሲዳማ ቡና ምስ ወላይታ ዲቻ ዝገብረኦ ግጥም ሰንበት ካብ ዝካየዱ ፀወታታት ይርከቡዎም።

ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ፥ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብ28 ነጥቢ እንትትመርሕ፥ ፋሲል ከነማ ብ 26፣ መቐለ 70 እንደርታ ብ25 ነጥቢ ይኽተለኣ ኣለዋ።

ድሬዳዋ ከተማ፣ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ሃዲያ ሆሳአናን ድማ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ዝርከባ ጋንታታትኢየን።

Comments (0)
Add Comment