ኣትሌት መዲና ኢሳ ብትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት መዲና ኢሳ ኩባኒያ ኣዲዳስ ኣብ ዘሰናደኦ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ።

እታ ጓል 19 ዓመት ኣትሌት፥ ነቲ ርሕቐት ብ14 ደቒቓን 38 ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ።

ኣትሌት መልክናት ውዱ ካልአይቲ፣ ፎቲየን ተስፋይ ሳልሰይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

ብደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ብ13 ደቒቓ  ብምእታው ተዓዊቱ።

ይሁኔ ኣዲሱ ብ5 ሰከንድታት ድሒሩ ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ሒዙ።

Comments (0)
Add Comment