ካብ ሃዋሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበርር ዝነበረ ኣውሮፕላን ትኪ እንትትርኣየ እውን ተጓዓዝቲ ድሕንነቶም ተሓሊዩ ከምዝወረዱ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ሃዋሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበርር ዝነበረ ኣውሮፕላን ትኪ እንትትርኣየ እውን ተጓዓዝቲ ድሕንነቶም ተሓሊዩ ከምዝወረዱ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቁፅሪ በረራ ET 154 ሎሚ ንጎሆ ካብ ሃዋሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጓዘሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ እቲ ትኪ ተራእዩ።

ይኹን እነበር እቲ ኣውሮፕላን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብዘይ ምንም ፀገም ብዝተመደበሉ በሪ መተኣናገዲ ተጓዓዝቲ ደው ብምዕራፍ ተጓዓዝቲ ድሕንነቶም ተሓሊዩ ከምዝወረዱ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መበገሲ እቲ ትኪ ይፃረ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ንዘጋጠመ ኣጋጣሚ እቲ መገዲ ኣየር ንዓማዊሉ ይቕሬታ ምሕታቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዝወዘዖ ሓበሬታ ሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment