ወታደራዊ ርክብ ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ንምጥንኻር ዝዓለመ ምኽክር ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ኣብ ሞንጎአን ዘሎ ወታደራዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእለን ኩነታት ምኽክር ተገይሩ፡፡

ኣብ መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ንምዕዳምን ኣብቲ ዓውዲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ወታደራዊ ርክብ ንምጥንኻር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ኢታማዦር ሹም ታንዛኒያ ጀኔራል ጃኮፕ ጆን÷ ምስ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ርክብ ንምጥንኻርን ኣብ ጉዳያት ስልጠና ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ጠሚቶም ከምዝዘተዩ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment