ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ንክሰምር ሓጋዚ ንክኸውን ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ፕሮጀክት ልምዓት ኮሪደር ኣዲስ ኣበባ ንክሰምር ሓጋዚ ንክኸውን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ሓቲቱ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘለዉ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ መብርሂ ሂቦም።

እቶም ሚኒስትር፥ ቀንዲ ዕላማ ፕሮጀክት መገዲ ኣዲስ ኣበባ ብቴክኖሎጂ ዝማዕበለትን ንነበርቲ ምቹውቲን ከተማ ንክትከውን ኢዩ ኢሎም።

ዘበናዊነት ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ንክትከውን ዘሎዎ ረብሓ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ፕሮጀክት፥ መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ኣብ ምስፋሕን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ህዝቢ ንክህሉ ኣብ ምግባርን ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።

እቶም ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ብመሰረት ዝተውሃቦም መብርሂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝሳለጥ ዘሎ ፕሮጀክት ስትራቴጂያዊ ዕላማ ክፈልጡ ከምዘኽኣሎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment