ግዕዝይና ብሓቂ እምበር ብኣምሰሉ ክንዋገኦ ኣይንኽእልን – ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዕዝይና ብሓቂ እምበር ብኣምሰሉ ክንዋገኦ ኣይንኽእልን ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ፌዴራል ክትትልን ጎንፂ ረብሓን ስነ-ምግባር ንምክልኻልን ንምውጋድን ብኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ኣብ ዝተሰናደአ ረቂቕ ደንቢ መድረኽ መተኣኻኸቢ እታወት ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ግዕዝይና ከም ሃገር ዓብዪ ሓደጋ ኣንፀላሊዩ ዝርከብ ማሕለኻ ልምዓትን ሰላምን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፀገም ንምክልኻል መንግስቲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

ብቐንዱ ድማ ኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ግዕዝይና ንኽቃለሱ ተሓሲቡ እቲ ረቂቕ ደምቢ ከምዝተሰናደአ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ፣ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያ ካቢኔ ተስፋዬ ዳባን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ብበረከት ተካልኝ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment