ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ሓዊሱ 10 ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ዘፈር ውልቀ ንምዝውዋር ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት ሓዊሱ 10 ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ዘፈር ውልቀ ንምዝውዋር ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ሚኒሰቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉፀገማት ንምፍታሕ ብዝብል፥ ካብ ዘለዉዎ 13 ፋብሪካታት ሽኮር እቶም 10 ናብ ውልቀ ትሕዝቶ እናዘዋወረ ይርከብ።

ኣማኻሮ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር ብሩክ ታዬ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ እተን ትካላት ናብ ውልቀ ትሕዝቶ ንምዝውዋር ኣብ ዝግበር ከይዲ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ገሊፆም።

ኣብ እዋናዊ ቁመና እተን ፋብሪካታት ቴክኒካዊ ምዘና ምግባር፣ እተን ፋብሪካታት ናብ ውልቀ ትሕዝቶ ኣብ ዝቕየሩሉ እዋን ክህሉ ዝግበኦ ዕዳጋ ሸረኮር እንታይ ክኸውን ከምዝግበኦ ዘርኢ ወይ ድማ ስትራቴጂ ዕዳጋ ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ናብቲ ዘፈር ዝኣትዉ ትካላት ውልቀ ምሕጋዘው ኣብ ዝከኣለሉ ኣሰራርሓ ምሕንፃፅ እውን ካብ ዝተዛዘሙ ስራሕቲ ሓደ ከምዝኾነ ገፆም።

ፋብሪካታት ሽኮር ናብ ዘፈር ውልቀ ናይ ምዝውዋር ከይዲ ካብ ዝጅመር ክልተ ዓመት ዝመልኦ ይኹን እመበር፥ ክሳብ ሕዚ ናብ ውልቀ ትካል ዝተዘዋወረ ፋብሪካ የለን።

ዶክተር ብሩክ እውን እቲ ጉዳይ ልዑል ጥንቃቐ ዝሓትትን ብዙሓት ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ምግባር ወሳኒ ስለዝኾነን እቲ ከይዲ ንምፍፃም ቁርፅ ዝበለ መዓልቲ ምቕማጥ ከምዝኸብድ ኣብሪሆም።

ናብቲ ዓውዲ ክፅምበሩ ዝደልዩ ትካላት ኣብቲ ጉዳይ ክገብሩዎ ዝግባእ ምድላው ፋይናንስን ካልኦት ምድላዋትን ኣብ ግምት ከእትዉ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

ይኹን እምበር ብዝተኽኣለ ዓቕሚ እቲ ከይዲ ኣቀላጢፍካ ንምዝዛም ክውድኡ ዝግበኦም ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ ኢሎም።

እተን ፋብሪካታት ንምግዛእ ወይ ድማ ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ዘለዎም ኣካላት ንምፍላይ ኣብ ዝተተግበረ መፅናዕቲ መሕትት ድማ ክሳብ ሕዚ 30 ዝኾኑ ትካላት ናብቲ ዓውዲ ክፅምበሩ ዝደልዩ ምህላዎም ገሊፆም።

ፋብሪካታት ሽኮር መተሃራ፣ ፊንጫን ወንጅን ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ትሕዝቶ መንግስቲ ክፀንሑ ኢዮም ተባሂሉ።

ወልቃይት፣ በለስ 1ን 2ን ፣ ቀሰምን ካልኦት ዝተረፉ ፋብሪካታትን ድማ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ናብ ውልቀ ትሐሕዝቶ ክሰጋገሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ብኣወል ኣበራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment