ፓስፖርትን ኤ ቲ ኤም ካርድን ሓዊሱ ናይ ድሕንነት ሕትመታት መፍረዪ ንምህናፅ ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ንዝህነፅ መፍረዪ ፓስፖርት፣ ዲጂታል መታወቂያ፣ ኤ ቲ ኤም ካርድን መሰል ናይ ድሕንነት ሕትመታትን ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ÷ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ፣ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ኣብዱራህማን ኢድ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰን ሓላፍቲ ኩባኒያ ቶፓን ግራቪቲ ተረኺቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝተረኸቡ ካብ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment