2ይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግን ላዕለዋይ ሊግን ደቂ ኣንስትዮ ዝጅመረሉ ዕለት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ፣ ላዕለዋይ ሊግን ትሕቲ 20 ዓመት ፕሪሚየር ሊግን ደቂ ኣንስትዮ ዝጅመረሉ ዕለት ዕላዊ ኮይኑ።

ብመሰረት እዚ÷ 2ይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግን ላዕለዋይ ሊግን ደቂ ኣንስትዮ 26 ለካቲት 2015 ዓ.ም ከምዝጅመር ተገሊፁ፡፡

ፕሪሚየር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባህር ዳር ፤ ላዕለዋይ ሊግን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ሃዋሳ ከምዝካየድ እውን ካብቲ ፌደሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ 17 ጥሪ ክሳሰብ 15 ለካቲት 2015 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ድማ እዋን ዝውውር ንኽኸውን ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ካልኣይ ዙር ውድድር ትሕቲ 20 ዓመት ፕሪሚየር ሊግ ደቂ ኣንስትዮ 17 መጋቢት 2015 ዓ.ም ንኽጅመር ዝተወሰነ እንትኸውን÷ ካብ 1 ለካቲት ክሳብ 1 መጋቢት 2015 ዓ.ም እዋን ዝውውር ክኸውን ከምዝተወሰነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment