70 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንከምለሱ ዘኽእል ኩነታት ንምጥዕዓም ልኡኽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምርሕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ 70 ሺሕ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ንከምለሱ ዘኽእል ኩነታት ንምጥዕዓም ልኡኽ መንግስቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምርሕ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ልኡኽ ብሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርትኳን ኣያኖ ዝምራሕ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፀልቲ ሒደት መዓልታት ናብታ ሃገር ከምዝጓዓዝ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር  ነብዩ ተድላ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ዝተውፃእፅኡ ኣባላት ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ስዑዲ፤ ሪያድን ጂዳን ምስ ዘለዉ ሚሲዮናት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኢዩ ነቶም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዘለዉ ዜጋታት ንምምላስ ዘኽእል ኣድላዪ ኩነታት ንምጥዕዓም ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣይተ ነብዩ፥ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ለዕሊ 50 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ከምዝመለሰ ተዛሪቦም።

መነግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጋዊ ወፍሪ ስራሕ ንምጥዕዓም ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ምስ ሃገራት ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ፣ ስዑዲ፣ ሊበባኖስን ዮርዳኖስን ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ከምዝተፈራረመ ተዛሪቦም።

ምስ ኩዌት ፣ ባሕሬንን ኦማንን እውን እቲ ስምምዕነት ንምኽታም ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment