ስፓርት

ስፓርት

ፍራንዝ ቤከንባወር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ምዕራብ ጀርመንን ጋንታ ባየርሙኒክን ፍራንዝ ቤከንባወር ኣብ 78 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ቤከንባወር ጀርመን ብ1974 ፅዋዕ ዓለም እንትተልዕል ንሃገራት ጋንታኡ ብኣምበልነት ክመርሕ ዝኸኣለ እንትኸውን÷ ኣብ 1990 ድማ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ብምዃን ፅዋዕ ዓለም ከልዕል ክኢሉ ኢዩ፡፡ ኮኸብ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክልኻል ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ፍራንዝ ቤከንባወር÷ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ምዕራብ ጀርመን 104 ፀወታታት ክስዕር ከምዝኸኣለ ይግለፅ፡፡…
Read More...

ኣብ ማራቶን ዱባይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ማራቶን ዱባይ 2024 ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም፡፡ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ኣዲሱ ጎበና እንትዕወት÷ ለሚ ዱሜቻ 2ይ፣ ደጀኔ መገርሳ 3ይ ከምኡ እውን ኣብዲ ፉፋ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሞም፡፡ ኣትሌት ኣንተን ኣየሁ ዳኛቸው 6ይ፣ ሌንጮ ተስፋዬ 8ይ፣ ባየልኝ ተሻገር 9ይን…

ጋንታ ፋሲል ከነማ ንጋንታ ድሬዳዋ ከተማ 3 ን 0 ስዒራታ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 9ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግኢትዮጵያ  ጋንታ ፋሲል ከነማ ንድሬዳዋ ከተማ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ፡፡ ጋንታ ፋሲል ከነማ ንኽትዕወት ጌታነህ ከበደን ናትናኤል ገብረጊዮርጊስን ሸቶታት ኣመዝጊቦም፡፡ እቲ ውፅኢት ስዒቡ ድማ ፋሲል ከነማ ነጥባ ናብ 15 ክብ ብምባል ኣብ 5ይ ደረጃ እንትትቅመጥ÷ ጋንታ…

ሜሲ ዝኽደና መፍለዪት ቁፅሪ 10 ማሊያ ካሊእ ተፃዋታይ ከምዘይክደና ኣርጀንቲና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊዮኔል ሜሲ ኩዕሾ እግሪ ምፅት ጠጠው ምሰበለ ንሱ ዝኽደና 10 ቁፅሪ መፍለዪት ማልዩኡ ንኻሊእ ተፃዋታይ ከምዘይትወሃብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣርጅንቲና ኣፍሊጡ፡፡ ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ክላውዲዮ ታፒያ÷ “ናይ ሊዮኔል ሜሲ 10 ቁፅሪ ንዘላለም ተኸቢሩሉ ክነብር ኢዩ፤ ንሕና ንዑኡ ክንገብረሉ ንኽእል ንኡሽተይ ነገር እዚ ኢዩ”…

ኡጋንዳዊ ኣትሌት ኣብ ኬንያ ኣብ ውሽጢ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡጋንዳዊ ኣትሌት ቤንጃሚን ኪፕላጋት ኣብ ኬንያ ኣብ ውሽጢ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ኦሎምፒክ ብ3 ሺሕ መሰናኽል ንሃገሩ ዝወከለ ኣትሌት ኪፕላጋት÷ ኣብ ክሳዱን ኣፍ ልቡን ብበኪሕ ነገር ተወጊኡ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ኬንያ ኣፍሊጡ፡፡ ወዲ 34 ዓመት ኪፕላጋት ፍሉጣት ኣትሌታት…

ኣርሰናል እንትትሰዓር ቶተንሃም ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል እንትትሰዓር ቶተንሃም ዓወት ቀኒዑዋ። ንኣርሴናል ዘተኣናገደት ፉልሃም ክትምራሕ ድሕሪ ምፅናሕ 2 ን 1 ክትዕወት ክኢላ። ጋንታ ፉልሃም ንኽትዕወት ራኡል ሄሜኔዝን ኮርዶቫ-ሬይድን እንተመዝግቡወን÷ ብሕታዊት ሸቶ ኣርሴናል ድማ ቡካዮ ሳካ ኣብ መበል 5ይ ደቒቕ…

2023 ንተወዳደርቲ 5 ሺሕ ሜትሮ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዓመት ነይሩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ንተወዳደርቲ 5 ሺሕ ሜትሮ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዓመት ከምዝነበረ ኣትሌቲክስ ዓለም ገሊፁ። ኣብቲ ዓመት ክብረ ወሰን እቲ ርሕቐት ክልተ ግዘ ከምዝተሰበረ ተሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብ 10 ናይ ኩሉ ግዘ ቅልጡፋት ሰዓታት አቶም ሽዱሽተ ኣብዚ ዓመት ዝተመዝገቡ ከምዝኾኑ ማሕበራዊ ሚዲያ…