ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ጋና እንትትሰዓር ግብፂ ማዕረ ተፈላሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት አኣብ ዝተኻየደ መበል ካልኣይ መዓልቲ ፀወታታት ፅዋዕ ጋና ብኬፕ ቨርዴ እንትትሰዓር ግብፂን ሞዛምቢክን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን። ምሸት ሰዓት 2 ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ሃገራውያን ጋንታታት ግብፂን ሞዛምቢክን ዝገበረኦ ፀወታ 2 ን 2 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ። መርሃ ግብሪ ፀወታ ምድብ 2 ምሸት ሰዓት 5 ቀፂሉ ጋናን ኬፕ ቨርዴን ዘራኸበ እንትኸውን÷ ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርዴ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ። ኬፕ ቨርዴን ንኽትዕወት ሞንቴሮን ሮድሪጌዝን እንተመዝግቡ፥…
Read More...

ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይጄሪያን ኢኳቶሪያል ጊኒን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይጄሪያን ኢኳቶሪያል ጊኒን 1 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን ቪክቶር ኦሲሜን ንናይጄሪያ ከምኡ እውን ጆሴፍ ማሽን ንኢኳቶሪያል ጊኒ ሽቶታት ኣመዝጊቦም፡፡ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሸት ምያድ እትቕፅሉ ሰዓት 2፡00 ግብፂ ምስ ሞዛምቢክ ክራኸባ ኢየን፡፡ ምሸት ሰዓት…

ኣብ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዲኡ ኣብ ዝገበሮ ፃውቲ ተዓዊቱ። ምስ ፉልሃም ኣብ ዝተገበረ ፃውቲ፥  ፓልመር ቅድሚ ዕረፍቲ ብፍፁም ቅላዕ ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሸቶ 1 ንባዶ ብምዕዋት ሰለስተ ነጥቢ ሒዙ ወፂኡ። ብመሰረት እዚ 31 ነጥቢ ብምውህላል ኣብቲ ፕሪሚየር ሊጉ ሻምናይ ደረጃ ሒዙ። እቲ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ንወልቂጤ ከተማ ስዒራታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ንጋንታ ወልቂጤ ከተማ ብምስዓር ሰለስተ ነጥቢ ረኺባ፡፡ ጋንታ ፋሲል ከነማ ንወልቂጤ ከተማ 1 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ብሕታዊት ሸቶ ጌታነህ ከበደ ብፍፁም ቅላዕ ኣመዝጊቡዋ፡፡ ኣብ መዛዘሚ 10ይ ሰሙን እቲ ሊግ ሎሚ ሓደ ፀወታ ሰዓት 12፡00 እንትግበር መሪሕ እቲ…

ትውልደ ኢትዮጵያዊት ናኦሚ ግርማ ተዓዋቲት ሽልማት ብሉፃት ተፃወትቲ 2023 ኣሜሪካ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ሳን ዲያጎ ዌቭ እናተፃወተት ትርከብ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ናኦሚ ግርማ ተዓዋቲት ሽልማት ብሉፃት ተፃወትቲ 2023 ኣሜሪካ ኮይና፡፡ በዚ ድማ ጓል 23 ዓመት ኦሚ ኣብ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ ፈላመይቲ ተኸላኻሊትን ካለአይቲ ፀላምን ተዓዋቲት ብልፅቲ ተፃዋቲት ክትከውን ክኢላ፡፡ ናኦሚ ኣብ…

ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝሳተፋ ዝተፈላለያ ሃገራዊ ጋንታታት ናብ ኣቢጃን ይኣትዋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ኮትዲቯር ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2023 ዝሳተፋ ዝተፈላለያ ሃገራዊ ጋንታታ ናብ ኣቢጃን ይኣትዋ ኣለዋ፡፡ ትማሊ ምሸት ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ ኮትዲቯር ዝኣተወት እንትትከውን÷ ፕሬዚዳንት እታ ሃር ማኪ ሳል ምስቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኣቢጃን ኣቲዮም፡፡ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ እውን ቅድሚ…

ፍራንዝ ቤከንባወር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ምዕራብ ጀርመንን ጋንታ ባየርሙኒክን ፍራንዝ ቤከንባወር ኣብ 78 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። ቤከንባወር ጀርመን ብ1974 ፅዋዕ ዓለም እንትተልዕል ንሃገራት ጋንታኡ ብኣምበልነት ክመርሕ ዝኸኣለ እንትኸውን÷ ኣብ 1990 ድማ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ብምዃን ፅዋዕ ዓለም ከልዕል…