ዋሊያታትን ባፋና ባፋናን ኣብ ዘካየዱዎ ፀወታ ባፋናባፋና 3 ን 1 ስዒሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዋሊያታት ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪካ ጋፋና ባፋና ዝተፃወታ እንትኾና፥ ደቡብ ኣፍሪካ 3 ን 1 ብዝኆነ ውፅኢት ተዓዊታ።

ኣብቲ ፀወታ ደቡብ ኣፍሪካዊ ፀፃዋቲ ኣብ መበል 46 ደቒቕ ብዘቑፀራ ሽቶ እናመርሑ ዕረፍቲ ዝወፅኡ እንትኾኑ፥ ጌታነህ ከበደ ኣብ መበል 67 ደቒቕ ብዘቑፀራ ሽቶ ማዕረ ክኾና ክኢለን ነይረን፡፡

ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ አፍሪካ ኣብ መበል 72ን 91 ደቒቕ ብዘቕፀረተን ክልተ ሽቶታት ተዓዊታ ክትወፅእ ክኢላ።

ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ አፍሪካ ነቲ ምድብ ብ7 ነጥቢ እናመርሐቶ ትርከብ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment