ሎሚ መዓልቲ ምሸት ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ውሮፓ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ዝካየድ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ውሮፓ ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ሪያል ማድሪድን ክነሓንሓ ኢየን፡፡

ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 4:00 ጀሚሩ ኣብ ሜዳ ባየር ሙኒክ ኣሊያንዝ ኣሬና ዝካየድ እንትኸውን÷ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ሳንትያጎ ቤርናባው ክካየድ ኢዩ።

ክልቲአን ጋንታት ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ቅድሚ ሕዚ 26 ግዘ ተራኺበን ዝተፃወታ እንትኾና÷ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን ሙኒክ 12 ግዘ ብምስዓር ዝሐሸ ክብረወሰን ኣለዋ።

ስፔናዊት ዓባይ ጋንታ ሪያል ማድሪድ 11 ግዘ እንትትዕወት ዝተረፉ ሰለስተ ፀወታታት ብማዕረ ውፅኢት ዝተዛዘሙ ኢዮም።

ቅድሚ ክልቲ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ÷ ባየርን ሙኒክ ንኣርሰናል ከምኡ እውን ሪያል ማድሪድ ንማንቼስተር ሲቲ ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍፃመ ከምዝሓለፋ ይዝከር፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment