ምዕራባዊያን ሃገራት ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት እንተቕሪበን ሩሲያ ሓደሽቲ ዒላማታት ንምውቃዕ ክትግደድ ኢያ – ፕሬዚዳንት ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን “ኣሜሪካ ትኹን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት እንተቕሪበን ሩሲያ ሓደሽቲ ዒላማታት ንምውቃዕ ክትግደድ ኢያ” ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ከምዚ ዓይነት ዝበሉ ሚሳኤላት ንዩክሬን ዝቐርቡ እንተኾይኖም ግብረ መልሲ ሩሲያ ዝኸበደ ከምዝኸውንን ቅድሚ ሕዚ ዘይተወቕዑ ዒላማታት ንምውቃ ከምዝግደዱን እቶም ፕሬዚዳንት ንሓደ ጣቢያ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት ገሊፆም፡፡

ምዕራባውያን ዝገብርዎ ሓገዝ ኣፅዋር እቲ ኲናት ንምጉታት ዝዓለመ ኢዩ ክብሉ እውን ኮኒኖም፡፡

ኣሜሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራን ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት እንተቕሪበን፥ ሩሲያ ትወቕዖም ዝርዝር ሓደሽቲ ዒላማታት ግን ዝበሉዎ ነገር ከምዘየለ ቲኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment