ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ንክዋፈሩ ዘኽእል ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ቀሪቡሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ንክዋፈሩ ዘኽእል ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ቀሪቡሎም።

እቲ ኣማራፂ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝተኻየደ ኤክስፖ ናውቲታት ፋርማሲን ፍሪያታት መሐለዊ ጥዕናን ኢዩ ዕላዊ ተገይሩሎም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከርን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዳንዔል ተሬሳን ኣብ ፓኪስታን ከተማ ላሆር ኣብ ዝተኻየደ ስነ ሰርዓት መኽፈቲ ኤክስፖ ተረኺቦም።

እቶም ልኡኻት ኣብ ዓውዲ ፋርማሲን ፍሪያታት መሐለዊ ጥዕናን ምስ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ዘቲዮም።

ብተወሳኺ ምስ ሰብ መዚ ኣብያተ ምኽሪ ንግዲ ፌዴራልን ክልልን፣ ሚኒስትራት ኢንዱስትሪ፣ ኤጀንሲ ሓበሬታ ኢንቨስትመንት ምዝታዮም ካብ ኮሚሽን ኢንቨሰትመንት ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment