ሳዲዮ ማኔ 350 ሺሕ ዩሮ ገንዘባዊ ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ሊቨርፑል ሳዲዮ ማኔ 350 ሺሕ ዩሮ ገንዘባዊ ቅፅዓት ከምዝተመሓላለፎ ጋንታ ባየርሙኒክ ኣፍሊጣ፡፡

ማኔ ናይ ጋንታ መሓዝኡ ንዝኾነ ሌሮይ ሳኔ ኣብ መቐየሪ ክዳን  ክፍሉ ብጉስጢት ብምድብዳቡ ኢዩ እቲ ገንዘባዊ ቅፅዓት ተመሓላሊፉዎ፡፡

እቲ ዝተመሓላለፎ ቅፅዓት ገንዘብ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ዝለዓለ ከምዝኾነ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2012 ተፃዋታይ እታ ጋንታ ፍራንክ ሪቤሪ ብተመሳሳሊ ንኣሪየን ሮበን ብምውቅዑ 50 ሺሕ ዩሮ ቅፅዓት ገንዘብ ተመሓላሊፉዎ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ኣሰልጣኒ ጋንታ ባይርሙኒክ ቶማስ ቱሀል፥ እታ ጋንታ መሰል ግድፈታት ዲሲፒሊን ከምዘይትዕገስ ብምግላፅ፤ ኣብ ሞንጎ ሳዲዮ ማኔን ሌሮይ ሳኔን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ከምዝተፈትሐ ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube 

Comments (0)
Add Comment