ተናሓናሕቲ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ኣብ ኢትሃድ ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተናሓናሕቲ ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንቼስተር ሲቲን ኣርሰናልን ሎሚ ምሸት ኣብ ስታዲየም ኢትሃድ ክራኸባ ኢየን።

ኣብቲ ፀወታ ጋንታ ኣርሴናል ካብ ተኸታሊታ ማንቼስተር ሲቲ ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ንምስፋሕን ድሕሪ 19 ዓመት ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምዕታርን ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ፡፡

ንሰለስተ ፅዋዕ እናተነሓነሐት ትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ትኹረታ ፅዋዕ ቻምፒዮንስ ሊግ ይኹን እምበር ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ብምምፅባብ ፅዋዕ ፕሪሜር ሊግ እንግሊዝ ብተኸታታሊ ዓመት ንምልዓል ክትፃወት ኢያ፡፡

ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ ቅድሚ ፀወታ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ÷ ‘‘ናይ ሎሚ ፀወታ ተዓዋቲት እቲ ፅዋዕ ኣይውስንን፤ ይኹን እምበር ኣብቲ ሊግ መሪሕ ኮይንና ንምፅናሕ ይሕግዘና ኢዩ” ኢሉ፡፡

“ተፃወትተይ ኣብ ፅቡቕ ስነ-ኣእምሮ ይርከቡ” ዝበለ ኣርቴታ፥ ጥንንካረ ጋንተኡ ሎሚ ምሸት ከምዘርኢ ተዛሪቡ፡፡

ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ብወገን ኣርሰናል ተኻላኻላይ ዊሊያም ሳሊባ ብምኽንያት ጉድኣት ካብ ፀወታ ወጻእ እንትኸውን፥ ኣከፋፋሊ እታ ጋንታ ግራኒት ዣካ ናይ ምስላፍ ዕድሉ ኣጠራጣሪ ኢዩ፡፡

ልዑል መቑፀሪ ሸቶ እቲ ሊግ ብዝኾነ ኤርሊንግ ሃላንድ ትምራሕ ጋንታ ማንቸስተር ሲቱ ድማ ኣገልግሎት ናታን አኬን ከምዘይትረክብን ማኑኤል ኣካንጂ ንዕኡ ተኪኡ ናብ ሜዳ ክኣቱ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment