ኒጀር ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣብ ዘገልገለትሉ እዋን ንኣህጉርና ኣኹሪዓ ኢያ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኒጀር ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ዘገልገለትሉ እዋን ንዘርአየቶ መርህ፣ ጭዋነትን ሓድነትን ኣፍሪካ ማእኸል ዝገበረ ቅዋም ሃገርናን ኣህጉርናን ዘኹረዐት ብምዃና ንመንግስቲን ፕሬዚዳንትን ኒጀር ምስጋናን ኣድናቖትን ይግባእ” ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት እዚ ዝበላ፥ ፃንሒት እዋኖም ዝዛዘሙ ኣምባሳደር ኒጀር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰናበታሉ እዋን ኢዩ፡፡

ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ፥ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዝገበሩዎ ፃዕሪ ምስጋና ኣቕሪበን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ቅድሚ ሳዓተ ወርሒ ኣብ ኒጀር ዑደት ስራሕ ገይረን ከምዝነበራን ኣብ 90ዓታት ኣብ ኒጀር ዝተኻየዱ ክልተ መረፃታት ንጉጅለ ተዓዘብቲ ትካል ሓድነት ኣፍሪካ ከምዝመርሓን ተገሊፁ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment