ኢራን ናይታ ትማሊ ንጉሆ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን ፀሊም ሳንዱቕ ንኩባኒያ ቦይንግ ይኹን ንኣሜሪካ ኣሕሊፈ ኣይህብን ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ናይታ ትማሊ ንጉሆ ዝተሓምሸሸት ኣውሮፕላን መቕረፂ በረራ ፀሊም ሳንዱቕ፥ ንኣፍረይቲ ኣውሮፕላን ኩባኒያ ቦይንግ ይኹን ንኣሜሪካ ኣሕሊፋ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ።

ንብረትነታ ናይ ዩክሬን  ዝኾነት ቦይንግ 737-800 ኣውሮፕላን፥ ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኢማም ኪህሚኒ ከተማ ቴህራን  ምስተበገሰት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ብምሕምሻሻ ሰራሕተኛታት እታ ኣውሮፕላን ሓዊሱ 176 ተጉዓዝቲ ህይወቶም ምሕላፉ ይፍለጥ።

ሓላፊ ትካል ሲቪል ኣቬስን ኢራን ዓሊ ዓብደዴድ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ሓደጋ ብትካል መንገዲ ኣየር ኢራን ምርመራ ከምዝግበረሉን ኣብ እዋን ምርመራ ድማ ሰብ ሞያታት ዩክሬን ከምዝርከቡን ገሊፆም።

“ስለዝኾነ መቕረፂ በረራ ፀሊም ሳንዱቕ፥ ንኣምራቲ ኣውሮፕላን ኩባኒያ ቦይንግ ይኹን ንኣሜሪካ ኣሕሊፍና ኣይንህብን” ክብሉ ገሊፆም።

ኢራን፥ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕጊታት መገዲ ኣየር ነቲ ምርመራ ናይ ምምራሕ መሰል ከምዘለዋ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ኣምረትቲ ብልምዲ ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ ፀሊም ሳንዱቕ ናይ ምትንታን ክእለት ዘለዎም ሰብ ሞያታት ዘለወን ሃገራት ግን ውሑዳት ኢየን ተባሂሉ።

እቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ልዑል ወጥሪ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን ዘጋጠመ ብምዃኑ፥ ነቲ ምርመራ ከየተሓላልኾ ተሰጊኡ ኣሎ።

ኢራን ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ምስ ፈፀመት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ኢዩ እታ ኣውሮፕላን ዝተሓምሸሸት።

ክሳብ ሕዚ ድማ ክልቲኦም ፍፃመታት ይራኸቡ ኣይራኸቡ ዘረጋግፅ ፅፁይ ሓበሬታ ክርከብ ኣይከኣለን።

 

 

Comments (0)
Add Comment