ኢራን ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢራን ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈፂማ

በቲ መጥቃዕቲ ብውሕድ ክልተ ወተሃደራዊ መዋፈርታት ኣሜሪካ ከምዝተወቕዑ ሚንስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ብትእዛዝ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ዝተቐተለ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ሕነ ንምፍዳይ ከምዝኾነ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢራን ፀብፂቡ።

“ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘለዉ መዋፈርታት ኣሜሪካ መጥቃዕትታት ከምዝተፈፀሙ ፈሊጥና ኣለና” ዝበሉ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ስቴፋኒ ግሪሻም፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ብዛዕብኡ መብርሂ ተዋሂብዎም ብቐረባ ይከታተሉዎን ንጉጅለ ሃገራዊ ድሕነት የማኽሩ ከምዘለዉን ተዛሪቦም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment