ኢትዮጵያ ኣብ ኤግዚቢሽን ገልፍ ፉድ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬታት ዓረብ ከተማ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኤግዚቢሽን ገልፍ ፉድ ትሳተፍ ኣላ።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላን ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ካሳሁን ጎፌን ኣብ መኽፈቲ እቲ ኤግዚቪሽን ተረኺቦም፡፡

ልዕሊ 6 ሺሕ ኣንቀሳቐስቲ ንግዲ ኣብ ዝሳተፉሉ እቲ መድረኽ፥ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኤክስፖርተራት ኢትዮጵያ ብእኹል ምድላው ንኽሳተፉ ናይ ምትሕብባር ስራሕ ከምዝሰርሐ ተገሊፁ፡፡

ወፃኢ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝፋለጠሉ ፓቪሊዮን ተመሪቑ ከምዝተኸፈተ እውን ኣይተ ካሳሁን ጎፌ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ገሊፆም፡፡

ንሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ኤግዚቢሽን፥ ልዕሊ 100 ሚሊየን ዶላር ኮንትራት ዕድጊት ከምዝፍረም ትፅቢት ይግበር።

#Ethiopia

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment