ኣልሸባብ ኣብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣልሸባብ ኣብ ኬኒያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር ኣሜሪካ ትማሊ ብዝተፈፀሞ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።

በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፥ ሓደ ወተሃደርን ክልተ ኮንትራክተራትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ካልኦት ግዳያት እዚ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ክልተ ኣባላት ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካውያን ከምዝቖሰሉ’ውን ሰብመዚ እቲ መዓስከር ገሊፆም።

እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላሙ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደብር፥ ኬንያውያንን ኣሜሪካውያንን ሓይልታት ዝጥቀምሉ እዩ ተባሂሉ።

ኣዛዚ ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ጀነራል ስቴፈን ታውንሰንድ፥ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ብምርግጋፅ ኣብ ልዕሊናን ኣብ ልዕሊ መሻርኽትናን መጥቃዕቲ ንዝፈፀሙ ኣል-ሸባብን ክንስዕቦም ኢና ኢሉ።

ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ነቲ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ነፈርቲ ውግእ ዝተጠቐሙ እንትኾኑ፥ ኣርባዕተ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐተሉ እውን ኣፍሊጦም።

ኣልሸባብ ኣብዚ መደብር መጥቃዕቲ ዝፈነወ ድማ ነቲ ወተሃደራዊ መደብር ንምቁፅፃር ዓሊሙ ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ኮሎኔል ፖል እንጁጉና ገሊፆም።

ካብ ዝምስረት ልዕሊ 10 ዓመት ዝገበረን ምስ ዓልቃይዳ ርክብ ዘለዎን ኣል-ሸባብ፥ ቀንዲ መደብሩ ኣብ ሶማሊያ ብምግባር ዛጊድ ብዙሓት መጥቃዕትታት ከምዝፈፀመ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ብወገን ምዕራብ ኣብ ትርከብ ከተማ ባለተጎድል፥ ወተሃደራት ኣሜሪካን ሶማሊያን ዝጥቀምሉ ወተሃደራዊ መደብር ኣጥቒዑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ 28 ታሕሳስ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ሞቓዲሾ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 80 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment