ኣሜሪካ ንምዕባለ ቻይና ብእወንታ ክትርእዮ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ኣገንዚቦም

አዲስ አበባ፣ ሚያዝያ 19፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ንምዕባለ ቻይና ብእወንታ ክትርእዮ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣገንዚቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቤጂንግ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ፥ “ርክብ ቻይናን ኣሜሪካ ንቕድሚት ንክኸይድ ልክዕ ብትኽከል ከምዝተሎገመ ሸሚዝ መሰረታዊ ጠመተ ዝደሊ ኢዩ” ኢሎም እቶም ፕሬዚዳንት።

ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት 45 ዓመታት ከምዝገበረ ብምግላፅ፥ ዝረብሕ ከይዲ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።

ክልቲአን ሃገራት ካብ ንሕንሕ ሽርክና፣ ካብ ምጉድዳእ መድግጋፍ፣ ሓበራዊ ቅዋም ብምድላይ ካብ ንሕንሕ ወፂአን ኣፈላላይ ምኽባርን ብተግባር ቃልካ ምኽባር ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣሜሪካ ብምዕባለ ቻይና ክትሕጎስ ከምዝግባእ ምግላፆም ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ብግደኦም፥ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት በዝምልከት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ዝግበሩ ፃዕሪታት ኣሜሪካ ረብሓኣን ክብራን ምሕላው ከምእትቕፅል ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment