ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ካብ ዋና ኣሰልጣንነት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብሓበራዊ ስምምዕ ተፈላሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ካብ ዋና ኣሰልጣንነት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብሓበራዊ ስምምዕ ከምዝተፈላለዩ ተገሊፁ።

ተሰናባቲ ኣሰልጣኒ ካብ መስከረም 2013 ዓ.ም ጀሮም ዋና ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣገልጊሎም፡፡

ኣሰልጣኒውበቱ ኣባተ ካብ ሓላፍነቶም ንምልቃቕ ናብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብዘቕረቡዎ ሕቶ መሰረት ብምግባር ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌዴሬሽን ኣብቲ ጉዳይ ተዛቲዩ ሕቶ እቶም ኣሰልጣኒ ብምቕባሉ ብሓበራዊ ስምምዕ ተፈላሊዮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment